SBS Examines፡ ክብሪ መነባብሮ ንማሕበራዊ ስምረትና የላሕልሖ ኣሎ ድዩ፧

2024-08-29 (1).png

Credit: SBS

Get the SBS Audio app

Other ways to listen

መጽናዕታት ከምዘመልክትዎ እቲ ንኣውስትራልያውያን ኣጋጢምዎም ዘሎ ዝዓበየ ስግኣት ቁጠባ'ዩ፡ ኣብ ሕብረተሰብና ኸኣ ነቓዓት ይፈጥር ኣሎ።


ወዲ ግዝኣት ኲንስላንድ ዝኾነ ጆን ፋይናንሳዊ ጸገም ካብ ዘጋጥሞ ንደሓር ኣብ ልዕሊ ፍልሰትን ዓዲ ቀይርካ ምምጻእን ዝነበርዎ ኣረኣእያታት ክቕየሩ ክስመዖ'ንከሎ ኣብ ኣእምሮኡ ከምዝተፈታተኖ ንSBS Examines ገሊጹ።

“ኣብ ማእከል ከባቢታት ከተማ'የ ዓብየ፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ዙርያ ኩሎም መኽሰባት ብዝሐባህላውነት ዝርከቡሎም ኔረ። ሕጂ ግን ብግምተይ እቲ ኣረኣእያይ ከምኡ ኣይኮነን ዘሎ።”

ኣብ ገጠራዊ ከባቢ ምንባር፡ ምስ'ቶም ናይ ስራሕ ፈቓድ ዘውህብ መዛወሪ ቪዛኦም (working holiday visas) ከናውሑ ዝደልዩ ሰባት ገዛ ኽራይ ክደሊን ክመናጠልን ጀሚሩ።

“መወዳደሪ ዝኸውን ገንዘብ እንተዘይብልካ፡ ገዛ ናይ ምርካብ ወይ ናይ ምዕዋት ዕድል የብልካን ማለት'ዩ።”

ኣብ'ዚ ከም'ዚ ሓሳብ ጆን በይኑ ኣይኮነን።

ሓደ ብትካል መጽናዕቲ The Scanlon Institute ዝተኻየደ መለክዒ ማሕበራዊ ስምረት ዝዕቅን social cohesion index፣ ገንዘባዊ ወይ ፋይናንሳዊ ጸገም ዘለዎም ሰባት ኣብ መብዛሕትኦም ዝተዓቀኑ መለክዒታት ትሑት ነጥቢ የመዝግቡ ክብል ደምዲሙ።

“እዚኦም ሰባት ብዝለዓለ መጠን ነብሶም ትሑት ስምዒት ዋንነትን (belonging) ትሑት እምነት ኣብ መንግስቲን ዘለዎም ገይሮም ይገልጹዋ፡ ብሓፈሽኡ ብዝተሓተ መጠን ንካልኦት ሰባት ይኣምኑን፡ ብዙሕ ግዜ ካብ ካልኦት ዝተገለሉ ወይ ዝተነጸሉ ኮይኑ ይስመዖምን" ትብል ዋና ኣካያዲት ኣንቲያ ሃንኮክስ።

“ንሶም ብተወሳኺ ህይወት ክመሓየሽ ኣይኮነን ኢሎም ዝሓስቡ ይመስለኒ፡ ብዙሕነት ሓደስቲ መጻእቲ ንኣውስትራልያ ሓያል ክትከውን ኣይገብራን`ዩ ዝብሉ'ውን ይመስለኒ።”

መራሒት ማሕበረሰብ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ከተማ ሲድኒ ረይቸል ሊያህ ጃክሰን፡ ኣብ መንጎ'ቶም ፋይናንሳዊ ጸገም ዘጋጥሞም ዘሎን እቶም ሃብታማትን እናሰፍሐ ዝኸይድ ምክፍፋል ድሕሪ ምርኣያ ንሰባት ከተቀራርብ ንፍትን።

“ብዙሕ ድኽነት ኣሎ፡ ብዙሕ ስእነትን ዘይምርድዳእን። ሰባት ጽምዋ ይስምዖም፡ ኣነ ባዕለይ ጽምዋ ክህሉ'ንከሎ እንታይ ይስመዓካ ይፈልጦ'የ፡" ኢላ ንሳ።

“ኣብ መወዳእትኡ፡ ማሕበረሰብና ሓይሊ መንነትና'ዩ፡ ስለ'ዚ ብሓባር ክንሰምርን ነንሓድሕድና ክንተሓጋገዝን'ዩ ዘለና።”

እዚ ትሕዝቶ SBS Examines ጸቕጥታት መነባብሮ ከመይ ኢሎም ንማሕበረሰባትና ይኸፋፍልዎም ኣለዉ ዝፍትሽ'ዩ።

Share