መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢትዮጵያ ፋና ብሮድካስቲንግ (ኤፍ.ቢ.ሲ) ከምዝጸብጸቦ፡ ሓደ ውልቀ ሰብ ብዘይ ፍቓድ ሃገራዊ ባንኪ ካብ ወጻኢ ዝተፈላለዩ ውልቀሰባት ዝለኣኽዎ ዶላር ብምስግጋር ልዕሊ 1 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ዝግመት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ን ኢትዮጵያ ስለዘስ ኣና ክሲ ቀሪብሉ።
ናይቲ ተኸሳሲ ስም ተስፋ ገ/ተኽለሃይማኖት ተባሂሉ ተጠቒሱ ዘሎ ክሱስ ዜግነቱ ኤርትራዊ ከምዝኾነን ኣድራሻኡ ድማ ቆየ ፌተ፣ ከተማ ሽገር ክልል ኦሮምያ፣ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።
እዚ ተኸሳሲ ብሃገራዊ ባንኪ ዝተውሃበ ሕጋዊ ፍቓድ ባንኪ ንግዲ ከምዘይብሉ’ውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ዝርከቡ ውልቀሰባት ናብ ኢትዮጵያ ገንዘብ ክሰዱ ምስ ዝደልዩ በዚ ሰብ ከም ዝስድዎን ብመሰረት ቁጽሪ ሕሳብ ባንኪ ናይቶም ገንዘብ ክለኣኸሎም ሰባት ብድምር 52 ሚልዮንን 950 ሽሕን 757 ብርን ብስሙ ብንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያን ባንኪ ኣቢሲንያን ኣብ ዝተኸፍተ ቁጽሪ ሕሳብ ካብ 29 ጥሪ 2013 ክሳብ 29 ሓምለ 2014 ዓ.ም.ግ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ክሲ ጠቒሱ ዘሎ ገበናዊ ተግባር ናብ 10 ሰባት ምስግጋር ከምዝተፈጸመ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።